Fana: At a Speed of Life!

ፈፃሚ ስራሕ ክልል ትግራይ ዘውፅኦ ድንጋገ ህፁፅ ኣዋጅ ጥሒሶም ዝተረኸቡ ሰባት ስጉምቲ ይውሰደሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ዘውፅኦ ድንጋገ ህፁፅ ኣዋጅ ጥሒሶም ዝተረኸቡ ሰባት ስጉምቲ ከም ዝተወሰደሎም ቤት ፍርዲ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ጠቂሱ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ፀብፂቡ።

ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ዳይና ምድብ መጋባእያ ዓዴት አይተ ተስፋይ መስፍን ከም ዝገለፅዎ፥ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ክአትዉ ተረኺቦም ብፀፅታ ተመለሱ ተባህሎም ሕጊ ዝጠሓሱ፦

1 . አይተ ፀጋይ አብርሃ ብ9ተ ወርሒ ቀሊል እስራት

2 . አይተ ደጀን ብርሃነ እቲ ቅፅዓት ናብ ገንዘብ ዘቐይር ኮይኑ ሰለዝተረኸቦ 600 ብር ቕፅዓት ተበይኑሎም።

ብተመሳሳሊ አብ ገዛ ቁማር እናተፃወቱ ዝተረኸቡ፦

1 . አይተ ኣንዋር ሙሩፅ 3 ወርሒ እስራት

2 . አይተ መንግስትኣብ ፍስሃ 2 ወርሒ እስራት

3 . አይተ ዮናስ ተኽለ 2 ወርሒ እስራት

4 . አይተ ሰለሙን አለነ 2 ወርሒ ክእሰሩ ተወሲንሎም።

ብኻሊእ ወገን ድማ እንዳ መስተ ከፊቶም ዝተረኸቡ፦

1 . አይተ ለገሰ ተስፋሚካኤል፤ ከተማ ዳዕሮ ሓፋሽ እንዳ መስተ ብምኽፋቶም ናይ ሓደ ወርሒ እስራት

2 . ወይዘሮ ሰለማዊት በርሀ ከተማ ሰመማ አንዳስዋ ከፊተን ስለዝተረኸባ ብር 500 ቅፅዓት

3 . ወይዘሮ ሓዳስ አብርሃ ከተማ ሰመማ እንዳስዋ ከፊተን ስለዝተረኸባ ብር 500 ንኽቕፅዑ ከም ዝተወሰነሎም ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ፀብፂቡ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.