Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ከይዲ ህንፀት ሆስፒታል ደቡብ ግንባር ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ጉራቻ እናተሃነፀ ዝርከብ ሆስፒታል ደቡብ ግንባር ከሕዱ ህንፀቱ ተዓዚቦም።

ከይዲ ህንፀት እቲ ሆስፒታልን ሕዚ ዝርከበሉ ብርኪን ብዝምልከት ብተቋረፅቲ ገለፃ ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ፡፡

ህንፀት እቲ ሆስፒታል ዝተጀመረ ኣብ ቀረባ እዋን ይኹን እምበር ሕዚ ዝርከበሉ ብርኪ ህንፀት ፅቡቕ ዝበሃልን ብዝድለ መጠን እናኸደ ከምዝኾነን ብምሕባር፥ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝተቐመጠሉ ግዘ ተሃኒፁ ክዛዘም ከምዘለዎ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብቲ ዑደት÷ ካብ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብተወሳኺ ሓላፊ ዋና መምርሒ መሃንዲስ ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ጄኔራል ደስታ ኣብቼ ሓዊሱ ኣዘዝቲ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን እዚ ደቡብ ከምዝተረኸቡ ካብ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.