Fana: At a Speed of Life!

ፊቼ-ጨምበላላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፊቼ-ጨምበላላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ።
እቲ በዓል “ፊቼ-ጨምበላላ ተምሳሌት ሰላም፣ መክብባር፣ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ምክእኣልን ዕርቀ ሰላምን” በዝበል መሪሕ ቃል ኢዩ ተኸቢሩ።
ኣብቲ በዓል ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፣ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ዶ/ር ሂሩት ካሳው ሓዊሱ ሚኒስትራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ዓበይቲ ዓዲን ተወለድቲ ክልል ሲዳማን ከመዝተረኸቡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ወይዘሮ ኣዳነች፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብዙሓት ባህሊታት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክንከናኸኖምን ንዓውዲ ቱሪዝም ክነውዕሎም ይግባእ ኢለን።
እቶም ባህሊታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምጉላህ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ባህሊ ንምግባር ፍሉይ ትኹረት በምሃብ ከመዝስራሕ እውን ተዛሪበን።
ምምሕዳር እታ ከተማ፥ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከተማ ንኽትከውን ብተግባር ነምርግጋፅ ንመህነፂ ማእኸል ባህሊ ሲዳማ ዝኸውነ ቦታ ከምዘዳለወ
ተዛሪበን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

 

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.