Fana: At a Speed of Life!

ፋና ላምሮት ፅዕንቶ ፈጣሪ ኮይኑ ንክቕፅል መሰረታዊ ለውጢ ይግበር ኣሎ – ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ላምሮት ኣብ ዓውዲ ተሃድሶ ቴሌቪዥን ልዑል ተቐባልነት ንክህልዎን ፅዕንቶ ፈጣሪ ኮይኑ ንክቕፅልን ኣብ ቀፃሊ መሰረታዊ ለውጢ ይግበር ኣሎ ምህላዉ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት  ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ገሊፆም።

ሳልሳይ ዙር ውድድር ፍፃመ ድምፃዊያን ተዓወትትቲ ፋና ላምሮት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ቲያትርን ባህልን ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፥ ኣብ መኽፈቲ እቲ ውድድር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ፋና ላምሮት ፅዕንቶ ፈጣሪ ኮይኑ ንክቕፅል መሰረታዊ ለውጢ ይግበር ኣሎ ኢሎም።

ትሕዝትኡ ህብረ ብሔራዊነትን ሓቛፍን ንምግባር ካብ ሕፁያት ምልመላ ጀሚሩ ክሳብ ኣቀራርባ መሰረታዊ ለውጢ ከምዝህሉ ተዛሪቦም።

ዘበናዊን ዓለም ለኸ ውድድረ ጥበብን መልክዕ ዘለዎ ህንፀት ስቱዲዮ ላምሮት ከምዝተጀመረ እውን ሓቢሮም።

ፋና ላምሮት ስሞምን ስረሖምን ንዘይፍለጡ ሰገናት ሙያተኛታት መድረኽ መላለዪን መፍለጢን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከም ፋና ላምሮት ዝበሉ መድረኻት መሀደስቲን መምሃርቲን እንተሰናድእ፥ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ቁሳዊን ተፈጥሮኣዊን ፀጋታት ፅባቐኦም ሓሊዮም ንትውልዲ ንክተሓላለፉ ከምኡውን ናት ትማሊ መገዲ ዓወት ንሎሚን ፅባሕን ትውልዲ ስንቂ ንክኸውን ዓሊሙ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ብዙሓት ድምፃዊያን ዘፍረየ ናይ ውስስር ፕሮግራም ብምሕባር ዕላምኡን ሸትኡን ኣብ ትውልዲ ብምስራሕ ነቲ ሙያ ክብሪን ልዕልናን ሓገዝ ንምግባር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ብብዙሕ ቀለማት ዘሳትፍ ስራሕቲ ጥበብ ብምሕቛፍ ብዝተፈለየ ኣቀራርባ ንምምፃእ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብዮሐንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.