Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መበል 25 ዓመት ናይ ምስረታ በዓሉ የኽብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት መበል 25 ዓመት ናይ ምስረታ በዓሉ የኽብር ኣሎ።

ፋና መበል 25 ዓመት ናይ መስረታ በዓሉ መስ ሰራሕተኛታቱ፣ መሻርኽቲ ኣካላትን ተሓባበርቲ መዳለውቲ ብምዃን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽብር ኣሎ።

ምስረታ በዓሉ ኣመልኪቱ ቅድመ ሐዚ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብምድላው እንተኽብር ከምዝፀንሐ ይዝከር።

ፋና ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ብፍላይ ብዓውዲ ሬዲዮ ኤፍ ኤም ሓዊሱ ብብርኪ ዓገር ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ብመልክዕ ዜናን ካልኦት ፕሮግራማትን ናብ ኣድመፅቲ ከቕርብ ፀኒሑ።

በዚ ድማ እዋናዊ፣ መሀደስተን መምሀርቲን ፕሮግራማት ብምቕራብ ናብ ኣድመፅቲ ኣቕሪቡ ኢዩ።

ብተወሳኺ ብመርበብ ሓበሬታ ሰፊሕ ሽፋን ዜናን ሓበሬታታትን ብምቕራብ ብዙሓት ሰዓብቲ ዘፍረየ እንትኸውን፥ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝጀመሮ ፈነወ ቴሌቪዥን ድማ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣቢሉ ዘለውዎ ትሕዝቶታት ናብ ተመልከትቲ የብፅሕ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.