Fana: At a Speed of Life!

ፍልጠት ትልሚታት ምዕባለ ኣብ ምዕዋት ቀንዲ መሳርሒ ኢዩ- ዶ/ር ዓለሙ ስሜ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተምህርቲን ፍልጠትን ትልሚታት ምዕባለ ኣብ ምዕዋት ቀንዲ መሳርሒ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ዓውዲ ስቪክን ፓርቲታት ፖለቲካን ፓርቲ ብልፅግና ዶ/ር ዓለሙ ስሜ ተዛሪቦም።

ኣተሓባበርቲ ደገፍን ክትትልን ላዕለዋይ ትምህርቲ፥ መብርሂ ገምጋም በጀት ዓመት 2014 ዓ.ምን  ትልሚ በጀት 2015 ዓ.ምን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይሳለጥ ኣሎ።

ዶክተር ዓለሙ ስሜ፥ ትልልሚታት “ብልፅግና” ብሙሉእ ቁመና ዕላዊ ንምግባር ትምህርቲን ፍልጠትን ቀንዲ መሳርሒ ኢዩ ኢሎም።

ነዚ ድማ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሰለማዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክፍጠር ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፈተና ብምሕላፍ ናብ ምዕባለ ክብ ንክትብል ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ተዛሪቦም።

እቲ  መድረኽ ዘተ ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ኢዩ።

ብእዮናዳብ ኣንዱኣለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.