Fana: At a Speed of Life!

ፍራንክ ላምፓርድ ካብ ቼልሲ ኣሰልጣንነቱ ተሰናቢቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ  ፍራንክ ላምፓርድ ካብ ቼልሲ ኣሰልጣንነቱ ከምዝተሰናበተ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ።

ኮኾብ ተፃዋቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቼልሲ ዝነበረን ነታ ጋንታ ካብ ማውሪዝዮ ሳሪ ሓላፍነት ዝተረከበን ፍራንክ ላምፓርድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ወርሒ ሓምለ 2019 ጀሚሩ ብኣሰልጣኒነት እናመርሐ ፀኒሑ ኢዩ።

እታ ጋንታ ኣብ ዘውፀአቶ መግለፂ፥ እዚ ውሳነ ኣዚዩ ከቢድን ኩሉ ሰብ ብቐሊሉ ንኽቕበሎ ኣፀጋሚ ክኸውን ከምዝኽእልን ገሊፃ።

ላምፓርድ ኣብታ ጋንታ ዘመዝገቦ ዓወት ልዑል ምስጋና ኣለና ዝበለት ጋንታ ቼልሲ፥ ይኹን እምበር ኣብ ቀረባ እዋን ውፅኢትን ዓቕሚን እታ ጋንታ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ንታሕቲ ኮይኑ ኢዩ ክትብል ኣብ መግለፂ ኣ ኣፍሊጣ።

ንጋንታ ቼልሲ 18 ኣዋርሕ ዘኣክል ዘሰልጠነ ላምፓርድ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ሓሙሽተ ግዘ ስዕረት ምትእንጋዱ ንምስንባቱ ምኅንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቼልሲ ኣብ ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ኣብ መበል 9 ደረጃ ትርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.