Fana: At a Speed of Life!

ፍርያት ምግቢ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምዕባይ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓተ-ምግብ ንምምሕያሽ ፍርያት ምግቢ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምዕባይ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ምስ ዳይሬክተር ፋውንዴሽን ቺልድረንስ ኢንቨስትመንት ፈንድ (ሲፍ)ን ጉጅለ ልኡኾምን ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ሲፍ ኣብ ኢትዮጵያ እናተግበሮም ብዛዕባ ዝርከቡ ፕሮጀክታትን ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራትን ዝምልከት መብርሂ ቀሪቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሸሞንተ ክልላት እናተተግበረ ዝርከብ ክፍሊ ፕሮጀክት ራይዝ ዝኾነ ትግበራ ስማርት ስታርት ዝምልከት እውን መብርሂ ቀሪቡ፡፡

ዶ/ር መቅደስ ዳባ÷ ሲፍ እናተስፋሕፈሑ ዝርከቡ ከም ዓሶ ዝበሉ ሕማማት ንምቁፅፃር ዘኽእል ፕሮጀክት ከምዝጀመሪ ተዛሪበን።

ብብርኪ ደረጃ ብሲፍ እናተተግበረ ዝርከብ ፕሮጀክት ኣዶ ክበረታታዕ ከምዝግበኦ ገሊፀን።

ካብዚብሳኺ ስርዓተ-ምግቢ ንምምሕያሽ ፍርያት ምግቢ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምዕባይ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.