Fana: At a Speed of Life!

ፍቓድ ስራሕ ወኪል ዘ ኢኮኖሚስት መፅሄት ኣብ ኢትዮጵያ ቶም ጋርድነር ተሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ወኪል ዘ ኢኮኖሚስት መፅሄት ኣብ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛ ቶም ጋርድነር ኣብታ ሃገር ንምስራሕ ዘኽእሎ ፍቓድ ስራሕ ከምዝተሰረዘ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ንጋዜጣ ዘ ኢኮኖሚስት ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ ኢዩ ኣብ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘኽእሎ ፍቓድ ከምዝሰረዞ ዝሓበረ፡፡

ኣብ ደብዳብኡ ድማ ጋዜጠኛ ቶም ጋርድነር ሞይኡን ሕግን ደምቢን ኢትዮጵያን ብዘየኽበረ መልክዑ ብዘይ ምስርሑ ፍቓዱ ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ በዓል መዚ ቅድሚ ሕዚ ነቲ ጋዜጠኛ ተደጋጋሚ ናይ ቃልን ፅሑፍን መጠንቀቕታ ከምዝተውሃቦ ኣብሪሁ፡፡

“ይኹን እምበር ፀብፃቢ ዘ ኢኮኖሚስት ቶም ጋርደነርን ሞይኡን ሕጊን ደምቢን ኢትዮጵያን ኣኽቢሩ ክሰርሕ ብዘይምኽሉ ፍቓድ ስርሑ ሰሪዘዮ ኣለኹ” ኢሉ እቲ በዓል መዚ ኣብ ደብዳብኡ፡፡

እቲ በዓል መዚ ካብዚ ብተወሳኺ ዘ ኢኮኖሚስት ንቶም ጋርድነር ዝትክእ ሙያዊ ስነ-ምግባር ብምኽባር ዘይሻራዊ ኮይኑ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ንኽምድብ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.