Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዲፕሎማሲን ኢትዮ- ጅቡቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ህዝቢ ምስ ህዝቢን ዲፕሎማሲን ኢትዮጵያን ጅቡቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኸ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፣ ብሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ጅቡቲ ሲራጅ ኦማር ዝተመርሐ ልኡኽን ተወከልቲ ኢጋድን ተረኺቦም፡፡

እቲ ፎረም÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲ ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለነ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ÷ ክልቲአን ሃገራት ብንግዲ፣ ትራንስፖርት፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚዊን ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝተኣሳሰራ ከምዝኾና ኣብሪሀን፡፡

ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ታሪኻዊን ኣብ ጥንኩር ምሕዝነት ዝተመስረተን ከምዝኾነ እውን ገሊፀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.