Fana: At a Speed of Life!

ፓርክታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ሕርሻ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ ፍርያት ናይ ምትካእ ሙሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎም ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ሕርሻ ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ስራሕ እንትኣትዉ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ ፍርያት ናይ ምትካእ ሙሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎም ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ እሸቴ ኣስፋው ገሊፆም።

ሚኒስቴር ንግድን ኢንዱስትሪን ዕዳጋ ንግዲ ንልምዓት ክልል ኣምሓራን ከምኡ እውን ኣመራርሓታት ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትሪን፥ ኣብ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቡሬ ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ፋብሪካታትን ፋብሪካ ዘይቲ ፊቤላን ተዓዚቦም።

ኣብቲ ዑደት 97 ሚኢታዊ ህንፀት ስርሑ ኣብ ዝተዛዘመ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ቡሬ ብ7 ዓይነታት ፍርያት ዝተዋፈረ ሪችላንድ ኣግሮ ኢንዱስትሪን ኣብ ምፍራይ ዘይቲን ኣብ ዘፈር ሃነፅቲ ምግቢ ዝሰርሕ ኩባኒያ ቻይና ናብ ስራሕ ምእታዎም ተገሊፁ።

ብብር 2 ነጥቢ1 ቢሊየን ኢንቨስትመንት ወፃኢ ናብ ስራሕ እናኣተወ ዝርከብን ኣብ መዓልቲ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ብምፍራይ ጠለብ ዘይቲ እዛ ሃገር ብ60 ሚኢታዊ ከምዘማልእ ዝተዘረበሉ ፋብሪካ ፊቤላ መቀነባበሪ ዘይቲ ብልዒ እውን ዑደት ተገይሩሉ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣይተ እሸቴ ኣስፋው ብግደኦም፥ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፋብሪካታት ክሽከም ዝኽእል ንኡስ ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ንምህናፅ ስራሕቲ ከምዝተዛዘሙን ኣብቶም ፋብሪካታት ዝረአ ሕፅረት ሓይሊ ከምዝቃለልን ተዛሪቦም።

ካብ ስሩዕ ምህርቲ ክራማት ብተወሳኺ መስኖ ብምድንፋዕ ቀረብ ምህርቲ ንምዕባይ፣ ዘይቲ ካብ ወፃኢ ይኣትወሉ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ኣልማዕቲ ብምምሕልላፍ ፀገም ሸርፊ ወፃኢ ንምቕራፍ ከምዝስራሕ ምግላፆም ኢብኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.