Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ን35 ፅጉማት ኣዴታት መጀመሪ ስራሕ ሓገዝ ገንዘብ ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚደንት ፌደርኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝነብራሉ ከባቢ ኣብ ፀገም ንዝነበሩ 35 ኣዴታት መጀመሪ ስራሕ ሓገዝ ከምዝገበራ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ኣፍሊጡ።

ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝነብራሉ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 8 ኣብ ፀገም ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ኢኮኖሚ እናሃባ ከምዝፀንሓ እውን እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ብርክት ዝበላ ኣዴታት ደቂቕ ናይ ፍሓም ምስ ሓመድ ብምሕዋስ መሊሰን ኣብ ረብሓ ብምውዓልን ካልኦት ውሑድ ኣታዊ ዘለዎ ንጥዕና ሓደጋ ዝኾኑ ስራሕቲ ዝተዋፈራ ከምዝኾና ተሓቢሩ።

ሰለዝኾነ ድማ እተን ደቂ ኣንስትዮ ስራሕተን ዝቕይር ስልጠና ክእለት መሰረታዊ ንግዲ ከምዝተወሃበንን ሎሚ መዓልቲ ን35 ኣዴታት  መጀመሪ ስራሕ ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ ከምዝረኸባ ተዛሪበን።

ካብ መንጎአን ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ን12 ደቂ ኣንስትዮ መስርሒ ስራሕ ዝኸውን ቦታ ኣደላዲሉ።

ቅድሚ ሐዚ ን50 ደቂ ኣንስትዮ ተመሳሳሊ ሓገዝ ከምዝረኸባ እቲ ቤት ፅሕፈት ወሲኹ ገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.