Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሰኔጋል ማኪ ሳል ንዝመርሕዎ መንግስቲ ኣፍሪሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገር ሰኔጋል ዝኾኑ ማኪ ሳል ነቲ ዝመርሕዎ መንግስቲ ከም ዘፍረስዎ ካብ ቤት ፅሕፈት እቶም ፕሬዚዳንት ዝተወሃበ መግለፂ ሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ማኪ ሳል ኣርባዕተ ድንጋገታት ዝሓዘ ኣዋጅ ከምዝኸተሙ ተገሊፁ።

ይኹን እንበር እቲ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝተዋህበ መግለፂ፥ እቶም ፕሬዚዳንት ስለ ምንታይ ነቲ ዝመርሕዎ መንግስቲ ከም ዘፍረስዎን ሓደሽቲ ኣባላት ካቢነ ሚኒስትራት መዓዝ ከም ዝመዝዙን ኣየነፀረን።

ፕሬዚዳንት ማኪ ሳል ኣፍሪሰምዎ ዘሎዉ ቅርፂ መንግስቲ 32 ሚኒስትራትን 3 ሃገራዊ ምምሕዳራትን ዝሓዘ እዩ።

እቲ ብዙሕ ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ መግለፂ፥ “ሓደሽቲ ካቢነ ሚኒስትራትን ሃገራውያን ምምሕዳራትን ክሳብ ዝምዘዙ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሚኒስትራትን ሃገራውያን ምምሕዳራትን ንግዚኡ ክመርሑ ይፅንሑ” ኢሉ።

ፕሬዚዳንት ማኪ ሳል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2019 ኣብ ዝተገበረ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ንሓሙሽተ ዓመት ነታ ሃገር ንኽመርሑ ንካልኣይ ግዜ ተመሪፆም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.