Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ መበል 124 በዓል ዓወት ዓድዋ ንምኽባር ናብ ከተማ ዓድዋ ኣትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ መበል 124 በዓል ዓወት ዓድዋ ንምኽባር ናብ ከተማ ዓድዋ ኣትየን።

እተን ፕዚዳንት ኣብ ኣኽሱም መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ እንትበፅሓ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂምን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ብምዃን ኣቀባብላ ከምዝገበሩለን ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መግስትን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሃበሬታ የረድእ።

ዝኽሪ መበል 124 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ እግሪ እምባ ሶሎዳ ከተማ ዓድዋ ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት እናተኸበረ ይርከብ።

ኣብተቲ ስነ ስርዓት ድማ ሃርበኛታት፣ መናእሰይ፣ ሰገናትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን እናተሳተፉ ይርከቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.