Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ሓጋዚት ዋና ፀሓፊት ዩኤንዲፒ ዳይሬክተር ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ውድብ ሕቡራ መንግስታት ሓጋዚት ዋና ፀሓፊት ፕሮግራም ልምዓት (ዩኤንዲፒ) ዳይሬክተር ኣፍሪካ ኣሁና ኤዚያኮንዋ ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ÷ ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዝተፈላለዩ ጉዳያት ልምዓት ኣድሂበን ከምዝዘተያ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ÷ ዩኤንዲፒ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝውግኖምን እናሰርሖም ንዝርከቡ ተግባራትን ምምስጋነን ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት የመላኽት፡፡

ብኻሊእ መዳይ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ደቂ ኣንስትዮ ብሕርሻ ኣብ ምብቃዕ ትኹረት ኣብ ዝገበረ ኣኼባ ብምርካብ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ÷ “ኣብ ገፀር ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ምብቃዕ መሰል ሕቶ ፍትሒ፣ ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰልን” ኢዩ ክብላ ገሊፀን፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ንምብቃዕ ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ ብምሕባር÷ በዚ ድማ ንኩለን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምልማዕ ተስፋ ዘለዎን ኣፍሪካ ንመፃኢ ወለዶ ሰናይ ዕድል ብርሃን ተጋወሐሉ ግዘ ምህናፅ ከምዝከኣል ኣብሪሀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.