Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ናብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣምሪሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ናብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ሎሚ መዓልቲ ኣምሪሐን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣርባ ምንጭ እንትበፅሓ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ደቡብ፣ ኣቦታት ጋሞን ሃይማኖትን ኣቀባብላ ገይረሙለን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ፃንሒተን ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ክዛተያ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፣ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳውን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ምስተን ፕሬዚዳንት ሓቢሮም ከምዝተጓዓዙ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.