Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ  ብሚኒስትር ጉዳይት ወፃኢ ፊንላንድ ምስ ዝምራሕ ጉጀለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ብሚኒስትር ጉዳይት ወፃኢ ፊንላንድ ፔካ ሀቪስቶ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲየን።

መራሒ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ፔካ ሀቪስቶ፥ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሓገዝን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰልን ከምኡ ውን ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ንምዝታይ፣ ናብ ትግራይ ብምኻድ እውን እቲ ኩነታት ናይ ምርኣይ ትልሚ ከምዘለዎም ኣፍሊጦም።

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ብግደአን፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ይኹን ንዓለም ለኸ ትካላትን መራኸብቲ ሓፋሽን ክነታት ትግራይ ንክርእዩ ከምዝገበረ ኣዘኻኺረን።

ሓገዝ ብዝምልከት እውን መንግስቲ ልዕሊ 70 ሚኢታዊ ባዕሉ ከምዘባፅሐ ተዛሪበን።

ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ዘጋጠሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፅራይ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.