Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ሙሴቢሂ ኣብዲ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ሙሴቢሂ ኣብዲ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ተዓዚቦም።

ርእሰ መምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታሌዳሞ፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፣ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ለሊሴ ነሜን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብቲ ዑደት ተሳቲፎም።

በቶም ፕሬዚዳንት ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፓክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ተዘዋዊሩ ዑደት ኣካይዱ ኣሎ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣይተ ፍፁም ከተማ ምንቅስቓስ ስራሕቲ እቲ ፓርክ ተዘዋዊሮም ዘብርሁ እንትኾኑ፥ እቲ ፓርክ ንዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ እውን ሂቦም ኢዮም።

ፕሬዚዳንት ሙሴ ቢሂ በቲ ዑደት ሕጉስ ምዃኖም ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ብዝተዓዘቡዎ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ከምዝተደነቑ ምሕባሮም ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.