Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ባይደንን ዢን ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ክዛተዩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ንፈለማ እዋን ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ንፈለማ እዋን ብኣካል ብምርኻብ ክዛተዩ ኢዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ፥ ኣብ ዝመፅእ ሰኑይ ኣብ ባሊ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ 20 ኢዮም ክራኸቡ።

ኣብ ዝመፅእ ሰሙን ዝራኸቡ ዘለው እቶም መራሕቲ ኣሜሪካን ቻይናን ታይዋን ቀንዲ መዘራረቢት ኣጀንዳኦም ከም እትኸውን ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ዞባዊን ዓለም ለኸዊን ዛዕባታት ብምድሃብ ከመዝላዘቡ ተሓቢሩ።

እቲ ልዑል ትፅቢት ክግበረሉ ዝፀንሐ ምርኻብ፥ ዝምድና ክልቲአን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ብፍላይ ኣብ ዝሓርፈፈሉ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

እዚ ድማ ብሰንኪ እታ ዓርሰ ምሕደራ ዝኣወጀት ታይዋንን ኣብ ኤዥያ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፅልዋ ቻይናን ክጋደድ ፀኒሑ።

ኣሜሪካ ድማ ቴክኖሎጂ ኮምፒዩተር ኣብ ምስራሕ ዝውዕል ቀረባት ብምኽልካል ኣብ ልዕሊ ቻይና ፀቕጢ ክትፈጥር ከምዝፈተነት ይግለፅ።

እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ቴሌፎናት ክሳብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንዕዳጋ ዘቕርብ ፅላት ቴክኖሎጂ ፀቕጢ ብምፍጣሩ ነቲ ብሰደድ ዝምራሕ ቁጠባ ቻይና ከምዝፀለዎ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.