Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ከሳልጥዎ ዝቐነዩ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ናብ ኣስመራ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ከሳልጥዎ ዝቐነዩ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ናብ ኣስመራ ተመሊሶም።

ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ ናብ ኢትዮጵያ ምምፅኦም ይፍለጥ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ዩንቨርስቲ ጅማ፣ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግልገል ግቤ 3፣ ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ዑደት ኣካይዶም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ከምዝበልዎ፥ ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘካየድዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልቲኣዊን ቀጠናዊን ዛዕባታት ዘተ ገይሮም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.