Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ፑቲን ምስ ዩክሬን ብዘሎ ጎንፂ ጣልቃ ኣብ ልዕሊ እትኣቲ ሃገር ቅፅበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፍፀም ተሓኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ20፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ምስ ዩክሬን ብዘሎ ጎንፂ ጣልቃ ኣብ እትኣቲ ሃገር መብረቓዊ መጥቃዕቲ ከምእትፍፅም ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ቭላድሚር ፑቲን ኣጠንቂቖም።

እቶም ፕሬዚዳንት ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሕጊ መውፅኢ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ሓይሊታት ወፃኢ ኣብ ኲናት ዩክሬን ጣልቃ እንተኣቲዮም ሃገሮም “ዝኾነ ሃገር ዘይተዓጠቖ” ዘበናዊ ኣፅዋር ብምጥቃም መብረቓዊ ምላሽ ክትህብ ኢያ ኢሎም።

ሰብ መዚ ሩሲያ እውን ምላሽ ንምሃብ ዘኽእል ምድላው ምግባሮም እቶም ፕሬዚዳንት ሓቢሮም ክብል ኣር ቲ ብፂቡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብዚ ሰሙን ክምዝበልዎ፥ ኔቶ ንዩክሬን ኣፅዋር ኲናት ብምቕራብ ብተዛዋዋሪ ምስ ሩሲያ ኲናት ገጢሙ ኢዩ ምባሎም ይዝከር።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.