Fana: At a Speed of Life!

ፕዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ቀፃሊ ኩነታት ዓለም ለኸ ስርዓት ትምህርቲ ንምዝታይን ንምትላምን ዝተጣየሸ ኮሚሽን ኣኪበን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ቀፃሊ ኩነታት ዓለም ለኸ ስርዓት ትምህርቲ ንምዝታይን ንምትላምን ዝተጣየሸ ኮሚሽን ኣኪበን።

ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ምሁራትን ሰብ ሞያታትን ዝሓቐፈ እቲ ኮሚሽን፥ ኣብ ቀፃሊ ዘበናዊን ንኹሉ ዘሓቁፍን ትምህርቲ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ንሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ንመምህራንን ተምሃሮን መምርሒ ኮይኑ ንኸገልግል ፀብፃብ የዳሉ ኣሎ፡፡

ኣባላት እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተሰርሑ ስረሕቲ ኣድሂቦም ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ እቲ ዝዳሎ ዘሎ ፀብፃብ ድማ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2021 ክሕተም ኢዩ ከምዝተብሃለ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ኮሚሽን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ኣብ ዝተዳለወ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምጥያሹ ይዝከር፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.