Fana: At a Speed of Life!

1 ሺሕ 124 ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታ ዝነበሩ 1 ሺሕ 124 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

እቶም ዜጋታት ሎሚ መዓልቲ ብዝተገበሩ በረራታት ከምዝተመለሱ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብቕድሚ ትማሊ 1 ሺኽን 21 ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ከምዝተመለሱ ይዝከር።

ብካልኣይ ዙር እናተሳለጠ ዝርከብ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ 3 ሺሕን 317 ዜጋታት ምምላስ ተኻኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.