Fana: At a Speed of Life!

10ይ ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክጅምሩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)10ይ ሰሙን ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ክካየዱ ኢዮም።

ትሽዓተ ሰሙናት ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተኻየዱ እንትኾኑ፥ ምድላው ብሄራዊ ጋንታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ስዒቡ 15 ታሕሳስ ከምዝተቛረፀ ይዝከር።

መመሓደሪ ኣካል እቲ ሊግ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስተዛዘመ ድሕሪ  ሓሙሽተ መዓልቲታት እቲ ሊግ ክቕፅል ንምግባር ሓሲቡ ዝነበረ ይኹን እምበር እታ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ምድባ ስለዝተሰናበተት መጀመሪ መዓልቲ እቲ ሊግ ኣፅኒዑ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ስለዝኾነ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዋ ስዒቡ ኣክሲዮን ማሕበር ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ንጋንታታት ሸውዓተ ናይ ልምምድ መዓልቲታት ብመሃብ 20 ጥሪ 2014 ዓ.ም ማለት እውን ዝቕፅል ዓርቢ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ንኽጅምር ከምዝወሰነ ካብ ምምሕዳር እቲ ሊግ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.