Fana: At a Speed of Life!

140 ስደተኛታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ሴኔጋል ከምዝጠሓሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)140 ስደተኛታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ሴኔጋል ከምዝጠሓሉ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ከምዝገፆ፥ 200 ስደተኛታት ዝፀዓነት ጃልባ ኣብ ጥቓ እቲ ገምገም ባሕሪ ጥሒላ ኢያ።

60 ዝኾኑ ሰባት ካብቲ ሓደጋ ምትራፍ ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፁ ኣሎ።

እታ ጃልባ መዕረፊኣ ናብ ስፔናዊት ደሴት ካናሪ ብምግባር እናተጉዓዘት ከምዝነበረት እውን ዓለም ለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IMO) ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ዓለም፤ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጋጠመ ዝኸፍኣ ሓደጋ ክብል ገሊፁዎ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.