Fana: At a Speed of Life!

16 ኢትዮጵያውያን ብሓደጋ ምግልባጥ ጀልባ ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)16 ኢትዮጵያውያን ብሓደጋ ምግልባጥ ጀልባ ህይወቶም ስኢኖም።

ካልኦት ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ 28 ዜጋታት ድማ ክሳብ ሐዚ ክርከቡ ከምዘይተኽኣሉ ተገሊፁ።

ትማሊ ምሸት ካብ ወሰን ባሕሪ የመን ፍሉይ ሽሙ ኣራ ካብ ዝበሃል ቦታ 77 ኢትዮጵያዊያን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣሳፊራ ናብ ጂቡቲ እተጓዓዕዝ ዝነበት ጀልባ ጎዶሪያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዘጋጠማ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ ኢዩ እቶም ዜጋታት ህይወቶም ስኢኖም።

በቲ ሓደጋ ክሳብ ሐዚ ሓሙሽተ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ሓዊሱ 16 ኢትዮጵያዊያን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።

ብኻሊእ መዳይ 33 ፍልሰተኛታት ብህይወት ተሪፎም ደገፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ገሊፁ።

እቲ ኤምባሲ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ብዝሰኣኑ ዜጋታት ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ፥ ካብ ጂቡቲ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዝግበሩ ዘይሕጋዊያን ጉዕዞታት ኣዝዮም ሓደገኛታት ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

በቢእዋኑ ህይወት ዘየጋታት ይበልዑ ከምዘለዉ እውን ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ዜጋታት ብዘይሕጋዊያን ደላሎ ነህይወቶም ኣብ ሓደጋ በምእታው በቲ መስመር ካብ ምንቅስቓስ ንክቑጠቡ ምዒዱ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.