Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ሙሉእ ንሙሉእ ክታበት ዝወሰዱ ዜጋታት “ማስክ” እንተይገበሩ ንኽንቀሳቐሱ ፈቒዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ሙሉእ ንሙሉእ ክታበት ዝወሰዱ ዜጋታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እንተይገበሩ ንኽንቀሳቐሱ ፈቒዳ።

መእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት እታ ሃገር ዘውፅኦ መምርሒ፥ እቶም ዜጋታት ጉዕዞ እግሪ ምግባር፣ በስክሌት ምዝዋር፣ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ምስታፍን ናብ ካፌን ኣብያተ ምግቢን ምእታውን ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።

ይኹን እንበር ሰብ ብበዝሒ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት ማስክ ንክገብሩ እቲ መምርሒ ይእዝዝ።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ 4 ሰነ ኣብ ዝኽበር መዓልቲ ናፅነት ኣሜሪካውያን ናብ ስሩዕ ዝቐረበ ህይወት ምንባር ነክጅምሩ ንምግባርን እታ ዓዲ ካብ ቫይረስ ናፃ ከትከውንን ሸቶ ምቕማጦም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.