Fana: At a Speed of Life!

2ይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድር ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ከምዝካየድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድር ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ከምዝካየድ ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ቀዳማይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዳማ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ እናተኻየደ ምፅንሑ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ካብ መበል 16 ሰሙን ጀሚሮም ዝካየዱ 2ይ ዙር ፀወታታት ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ድማ ካብ 21 ለካቲት 2016 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ስታዲየም ድሬዳዋ ከምዝካየዱ ተገሊፁ፡፡

መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር ኣብ ዝፅሉ መዓልቲታት ከምዝግለፅ ካብቲ ማሕበር ኣክሲዮን ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ሜዳን ቴክኒካል ክፍሊታትን ስታዲየም ድሬዳዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰብ ሞያ ፊፋ ምዘና ተገይሩሎም እቲ ስታዲየም ብፊፋ ኣፍልጦ ምርካቡ ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.