Fana: At a Speed of Life!

2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ዘይሕጋዊ መሸፈኒ ገፅን መድሓኒታትን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዝግመቱ ዘይሕጋዊ መሸፈኒ ገፅ(ማስክ)ን ካልኦት መድሓኒታት “ስንፈተ ወሲብ”ን ተታሒዞም።

በዓል መዚ ቁፅፅር ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብሓባር ብምዃን ነቶም ዘይሕጋዊ መድሓኒታትን መሸፈኒ ኣፍን ዘዘዋውሩ ዝነበሩ ሸሞንተ ውልቀ ሰባት 23 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ኣብ ቁፅፀር ከምዘውዓልዎም ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ መስቀል ፍላዎር እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክሽየጥ ተዳሊዩ ዝነበረ 15 ሺሕ መሸፈኒ ገፅን 5 ቴርሞ ሜትር መለክዒ ሙቐትን ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ፒያሳ 1 ሺሕ “ሰርጂካል ማስክ” ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣስታት 17 ሺሕን 500 ዝዋግኡ “Vimax herbal supplement” ዝተብሃለ በቲ በዓል መዚ ዘይተመዝገበን ድሕንነቱ ዘይተረጋገፀን ፍሪያት፥ “ንስንፈተ ወሲብ መድሓኒት ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ብምባል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘፋልጥ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኢድ ብኢድ ተታሒዙ ምርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.