Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ወተሃደራታ ካብ ቡርኪና ፋሶ ንምውፃእ ተስማዕሚዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ወተሃደራታ ካብ ቡርኪና ፋሶ ንምውፃእ ምስምዕማዓ ገሊፃ።

ቡርኪና ፋሶ ወተሃደራት ፈረንሳይ ካብ ሃገረይ ይውፅኡ ዝብል ሕቶ ምቕራባ ስዒቡ መንግስቲ ፈረንሳይ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

መንግስት ቡርኪና ፋሶ ኣብ 2018 ዝተገበረ ወተሃደራዊ ስምምዕነት ብዕሊ ምንፃጉ ስዒቡ መንግስቲ ፈረንሳይ ወተሃደራቱ ካብታ ሃገር ከምዝወፅኡ ትማሊ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዝተወፋረ ወተሃደር ፈረንሳይ ኣብታ ሃገር ግብረ ራዕድነት ንምውጋእ ልኡኽ ብምሓዝ ከምዝነበረ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ወተሃደራት ፈረንሳይ ነታ ሃገር ለቒቖም ንክወፅኡ ዘገድድ መጠንቀቕታ ካብ ኦጋዱጉ ምቕባሉ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ናይቲ ትእዛዝ ስምምዕነትን ሕቶን ነኽብር ኢና ክብል ተዛሪቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.