Fana: At a Speed of Life!

5 ቢሊዮን ፈልሲ ንምትካል ዝተትሓዘ ትልሚ ሙሉእ ንሙሉእ ምዕዋቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ  ገሊፆም

5 ቢሊዮን ፈልሲ ንምትካል ዝተትሓዘ ትልሚ ሙሉእ ንሙሉእ ምዕዋቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)5 ቢሊዮን ፈልሲ ንምትካል ዝተትሓዘ ትልሚ ሙሉእ ንሙሉእ ምዕዋቱ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

መዛዘሚ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምትካል ፈልሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ባህርዳር ተሳሊጡ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ኣብ ዘስሙዑዎ መደረ፥ ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ፅብቕቲ ከተማ ሃዋሳ ተጀሚሩ ኣብ ፅብቕቲ ከተማ ባህርዳር ብዓወት ተዛዚሙ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ሙሉእ ክረምቲ ከምዝወሰደ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናይዚ ዓመት መርሃ ግብሪ 5 ቢሊየን ተኸላ ፈልሲ ግን ሓደ ወርሒ ተሪፉዎ እናሃለወ ክዕወት ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

እቲ ትልሚ ኣቐዲሙ ብምዕዋቱ ምኽንያት ድማ ተወሰኽቲ 200 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝተዳለዉ ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ “ናይዚ ዓመት ትልሚ ምትካል ፈልሲ ብቑፅሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ብውፅኢት እውን ክነዕውቶ ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ዓመት 6 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝዳለዉ ዝሓበሩ ዶክተር ኣቢይ፥ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ንጎረባብቲ ሃገራት 1 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝዳሎ ገሊፆም።

ኣብ ራብዓይ ዙር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፥ ኢትዮጵያውያን ዝተኽሉዎም ፈልሲታት 20 ቢሊየን ከምዝበፅሑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

20 ቢሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል ትልሚ ኣብ ዝዕወተሉ እዋን ድማ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ሪባን ክቑረፅ ኢዩ ኢሎም።

ዓበይቲ ፕሮጀክታት ናይ ምሕሳብ፣ ምትላምን ምዕዋትን ዓቕሚና እናዓበየ እንትኸይድ ኢትዮጵያ ናብ ብራኸ ምዕባለ ወፂኣ ንሪአሉ ግዘ ከምዝኸውን ገሊፆም።

ኩሉ ህዝቢ ኢትጵያዊ ጭቃ እንተይነኻእና ነማዕብላ ሃገር ከምዘየላ፣ ፀገማት እንተይተጋፋዕና ንቕይራ ሃገር ከምዘየላ ብምፍላጥን ኣብ ሓንጎልና ዘሎ ካንሰር ብምፅራይ ሓድነትን ምዕባለን እዛ ዓባይ ሃገር ምርግጋፅ ካብ ኩሉ ትፅቢት ዝግበር ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርከብ ጎቦ ቤዛዊት ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፍልሲ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ትሩነህን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፌዴራልን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.