Fana: At a Speed of Life!

6ይ ጉባኤ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕን መራሕቲ ኣፍሪካ፣ ተወከልቲን ሰብ ሞያን ዝሳተፉሉ ሻድሻይ ጉባኤ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኢትዮጵያ ዓውዲ ሕርሻ ንምምሕያሽን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ቆራፅ ምዃና ብካልኦት ሃገራ ኣፍሪካ ክውሰድ ዝኽል ኣብነት ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያ ፍኖተ ካርታ ለውጢ ስርዓተ ምግቢ ብምስንዳእ መፍረያይነት ሕርሻ ብምዕባይ፣ ባዕልኻ ምኽኣልን ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ምውጋእን ዘድሀቡ ውጥናት ከምዝጀመረትም ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፖሊሲኣ ብምምሕያሽ ፈጠራ ንምድንፋዕን እናዓበዩ ዝርከቡ ቴክኖሎጂታት ዓቕሞም ንምጥቃምን፤ ኢትዮጵያ ፍሉይ ጠመተ ከምዝሃበት ኣመልኪቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.