Fana: At a Speed of Life!

“ኮቪድ-19፣ ምንዋሕ መረፃን ኣማራፂታት ሕጊን” ብዝብል ርእሲ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝቕፅል መረፃ ንምክያድ ኣፀጋሚ ብምዃኑ መንግስቲ ኣርባዕተ መማረፂታት መፍትሒ ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ፥ “ኮቪድ-19፣ ምንዋሕ መረፃን ኣማራፂታት ሕጊን” ብዝብል ርእሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ምስ ተናሓናሕቲ ውድባት ዘተ የሳልጥ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ሓፈሻዊ መረፃ ናይ ምክያድ ግቡእ የሃልዋ እምበር፥ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 መረፃ ንምክያድ ኣብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ብምብፅሑ ሕጊን ወድዓዊ ኩነታትን ኣጠዓዒምካ ምኻድ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተላዒሉ።

ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዮስ ከምዝበሉዎ፥ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብዘይጥሕስ መልክዑ እቲ ፀገም ንምቕራፍ ዝሕግዙ ኣርባዕተ ኣማራፂታት መፍትሒ ተቐሚጦም ኣለዉ።

እቶም ኣማራፂታት ድማ፦

1. ምብታን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ

2. ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምእዋጅ

3. ሕገ-መንግስቲ ምምሕያሽ

4. ሕገ-መንግስታ ትርጉም ምሕታት ኢዮም ኢሎም።

   

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.