Fana: At a Speed of Life!

ብ31 ሚሊየን ብር መበገሲ ካፒታል ዝተጣየሸ ላንሴት ስፔሻላይዝድ ማእኸል ሕክምና ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28  ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብ31 ሚሊየን ብር መበገሲ ካፒታል ብኢትዮጵያውያን ሓካይም  ዝተጣየሸ ላንሴት ስፔሻላይዝድ ማእኸል ሕክምና ተመሪቑ።

እቲ ማእከል ሕክምና ኣብዛ ሃገር ኣብ ዘለዉ ሆስፒታላት ዝረኣዩ ድሩትነት ዓቕሚ በምሽፋን፥ ብዝተበታተኸ መገዲ ዝወሃብ ናይ ወልቀ ሕክምና ኣብ ሓደ ጠንካራ ማእኸል ንምሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማእኸል ዶ/ር ሔኖክ ሰይፈ፥ ናብ ወፃኢ ዓዲ ዝግበር ጉዕዞ ሕክምና ነምትራፍን ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ክትከውንን ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

እቲ ማእኸል ስራሕ ካብ ዝጅምር ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዘቑፀረ እንትኸውነ፥ ልዕሊ 3 ሺሕን 500 ሕሙማት ኣገልግሎት ብምሃብ 350 ዕዉታት መጥባሕቲ ከምዘካየደ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.