Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ዓሶ ብኸመይ ንከላኸሎ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ዓሶ ክንከላኸሎን ክንፍውሶን እንኽእል ሕማም’ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ 2016 ዓ.ም ብብርኪ ሃገር ምርመራ ካብ መንጎ ዝተገበረሎም 10 ሚሊየን ሰባት እቶም 3  ነጥቢ 2  ሚሊየን ብዓሶ ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ምስቅስቓስ ሰባት ስዒቡ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ሕማም ክህሊ ከምዝኽእል እውን ተሓቢሩ።

ብቐሊሉ ክንከላኸሎ እንኽእል ሕማም ዓሶ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ደቂቕ ሓደ ሕፃን ከምዝቐትልን ኣብ ዓመት ልዕሊ 200 ሚልየን ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝጥቅዑን ኣብ 2019 ዓ.ም.ፈ ዝወፅአ ፀብፃብ ውድብ ጥዕና ዓለም የመላኽት።

ምልክታት ሕማም ዓሶ ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልትታት ድሕሪ መንከስቲ ጣንጡ ከቕፅል ዝኽእል፥ ረስኒ፣ ሕማም ርእሲን ቁሪ ቁሪ ምባልን እዮም።

ብልምዲ ዓሶ-ርእሲ ተባሂሉ ዝፅዋዕ “ፕላስሞድየም ፋልሲፋረም” ድማ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሕክምናዊ ረድኤት እንተዘይረኺቡ፥ ሓደገኛ ብምዃኑ ናብ ሞት ከብፅሕ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ጥዕናዊ ምርምራት ይገልፁ።

ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት እቶም ዝያዳ ነዚ ሕማም ዝቃልዑ ኢዮም።

ሕማም ዓሶ ብኸመይ ይመሓላለፍ?

ቀንዲ መመሓላለፊ ሕማም ዓሶ፥ መንከስቲ ኣንስተይቲ ጣንጡ እዩ። ዳርጋ ኩሉ መንከስቲ እታ ጣንጡ ኣብ ሰዓታት ምሸት እዩ ዝግበር።

ዓሶ፥ ብኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ፕላስሞድየም ዝተብሃለ ፅግዕተኛ (ፓራሳይት) ዝመሓላለፍ ቀታሊ ሕማም’ዩ።

እቶም ፅግዕተኛታት ብመንከስቲ ኣኖፍለስ ተባሂላ እትፅዋዕ ኣንስተይቲ ጣንጡ ይመሓላለፉ።

ሕማም ዓሶ ብኸመይ ንከላኸሎ?

ንመንከስቲ ጣንጡ ክንከላኸለሉ እንኽእል ክልተ  መገድታት ኣለዉ። ንሳቶም እውን፥ ምጥቃም ዛንዜራን መድሓኒት ፀረ ታህዋስ ኣብ ዓመት ክሳብ ክልተ ግዜ ምንፃግን እዮም።

ገያሾ፣ ነፍሰፁራትን ህፃናትን ድማ እኹል ዝኾነ ፀረ ዓሶ ክኒና ብምውሳድ ክከላኸልዎ ይኽእሉ ኢዮም።

እንተ ተኻኢሉ ኣብ መዓፁን  መሳዅትን መጋረጃ ወይ መንፊት ምጥቃም፣ ንጣንጡ ካብ መንበሪ ገዛ ንክወፅኡ ዝገብር መዝሓሊ ኣየርን “ቨንቲላቶርን” ምጥቃም ፅቡቕ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልፁ።

ንዅሉ ሰብነትካ ምሉእ ብምሉእ ዚሽፍን ፃዕዳ ኽዳን ምኽዳን እውን ንምክልኻል ካብ ዝጠቕሙ ሜላታት ኢዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፥ ጣሻ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ጣንጡ ብብዝሒ ስለ ዝርከባ ማይ ኣብ ዘለዎ ኸባቢ ኸኣ ስለ ዝራብሓ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢ ምርሓቕ ግድን ኢዩ።

ኣብ መንበሪ ገዛ ጣንጡ ኸራብሕ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ነገር ምውጋድ።

ሕማም ዓሶ ሕክምና እንተ ዘይተገይሩሉ ከቢድ ሕማም ዋሕዲ ደም ከስዕብን ንህይወት ዘስግእን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ብፍላይ ቈልዑን ጥኑሳትን እቲ ምልክታት እናገደደ ቕድሚ ምኻዱ ብቕልጡፍ ክሕከሙ ከምዘለዎም እቶም ሰብ ሞያ ይምዕዱ።

ብሓፈሻ ዓሶ ዝተትሓዘ ሰብ ቀልጢፉ ናብ ሕክምና ምኻድን ዝወሃቦ መድሓኒት ብኣግባቡ ምጥቃምን ከምዝግባእ ፀብፃብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልፅ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.