Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 4.5 ኪሎ ሕበጥ ካብ ሓንቲ ወላዲት ብመጥባሕቲ ተወጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ መባእታዊ ሆስፒታል ፍረ ሰማእታት ሓውዜን ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ኪሎ ሕበጥ ብመጥባሕቲ ከምዝወፅአ እቲ ሆስፒታል ሓቢሩ።

እቲ ዘጋጠመን ሕበጥ ብመጥባሕቲ ዝወፅአለን ጓል 45 ዓመት ወይዘሮ ለተብርሃን ሃይሉ ነባርነተን ኣብ ከተማ ሓውዜን እንትኾና፥ ኣዶ 5 ቆልዑ ከምዝኾና ተገሊፁ።

ንልዕሊ 10 ዓመት እናተሳቐያ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ፍረ ሰማእታት ሓውዜን 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ብዝተገበረለን መጥባሕቲ፥ እቲ ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ኪሎ ሕበጥ ክወፀአለን ከምዝኸኣለ ድማ ተሓቢሩ።

ስፔሻሊስት ሓፈሻዊ መጥባሕትን መዲካል ዳይሬክተርን እቲ ሆስፒታል ዶክተር ዑቕባይ ሓጎስ፥ እቲ ካብ ማህደር እንቁላሊሕ ፀጋማይ ክፋል ዝተለዓለ ሕበጥ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ብመጥባሕቲ ከምዝተወገደ ተዛሪቦም።

እቲ ዝወፅአ ሕበጥ ንተወሳኺ ምርመራ ናብ ሆስፒታል ዓይደር ከም ዝተለኣኸ ዶክተር ዑቕባይ ገሊፆም።

ቅድሚ ሐዚ ተመሳሳሊ መጥባሕቲ ልዕሊ ክልተ ግዜ ከም ዘካየዱ ዝሓበሩ ዶክተር ዑቅቕባይ፥ ይኹን እንበር እቲ ሎሚ ብመጥባሕቲ ዝወፅአ ሕበጥ ብክብደቱ ካብቶም ቅድሚ ሕዚ ዝተኻየዱ ዝተፈለየ ከምዝኮነ ምዝራቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.