Fana: At a Speed of Life!

ጥዕና ኲሊት ንምሕላው ዝሕግዙ 6 ቀለልቲ ነገራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኵላሊት ካብቶም ኣውራ ኣገደስቲ ክፋል ኣካላትና እንትኾና፥ ኣብ ደም ዝፍጠር ርስሓት ብምፅራይ ብመልክዕ ሽንቲ ከምዝወፅእ ዝገብራን እየን።

ዓለማዊ ማሕበር ኔፍሮሎጂ ከም ዝሕብሮ፥ ፀቕጢ ደም ንምቍፅፃር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኣካላትና ዘሎ መጠን ኬሚካላት ሚዛኑ ንምሕላው እውን ይሕግዛ።

እቲ ኣገዳሲ ዝበሃል ኣገልግሎት እተን ክፋል ኣካላትና ዝኾና ኲላሊት፥ ኣብ መስርሕ ምፍራይ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ዝገብራኦ ኣበርክቶ እዩ።

ስለዚ ኵሊት ሓንሳእ እንተተጐዲኣ ሳዕቤናቱ ብዙሕ ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ሰባት ብሕማም ኲሊት ይሳቐዩ።

ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ሕማም ኲሊት ብቕልጡፍ ከምዝወሰኸ ክኢላታት ይገልፁ።

ዳያሊሲስ ዝበሃል ድማ ነታ ዝፈሸለት ኲሊት ተኪኡ ብማሽን ዝግበር መስርሕ ምፅራይ ደም እዩ።

ይኹን እምበር ናብቲ ዘስፋሕፍሕን ጥዕናን ህይወትን ብዙሓት ሰባት ዝዘርግን ዘሎ ፀገም ኲሊት ቅድሚ ምብፃሕካ፥ ነዞም ዝስዕቡ ሽዱሽተ ኣገደስቲ ነጥብታት ብምትግባር ጥዕና ኵሊት ክሕሎ ከምዝኽእል ይንገር።

  1. እኹል ማይ ምስታይ

ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ኩባያ ማይ ምስታይ፤ እዚ ድማ ንጥዕና ምሉእ ኣካላትና ብፍላይ ንኵሊትና ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ሕማም ዘቃልዑ ኵነታት ጥዕና ከም ሕማም ሽኮር፣ ልዑል ፀቕጢ ደም ወዘተ እንተሃልዮምኻ ድማ ዝያዳ ማይ ምስታይ ይምከር።

መጥባሕቲ ዝገበሩ ሰባት ድሕሪ እቲ ሕክምና እኹል ማይ ክሰትዩ ሰብሞያ ይመኽሩ።

  1. ካብ ወልፊ ሽጋራን ኣልኮላዊ መስተን ምርሓቕ

ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ቀንዲ ጠንቂ ማህሰይቲ ኵሊት ምዃኖም እዩ ዝፍለጥ። ስለዚ ክልቲኦም ካብ ምውሳድ ምቝጣብ ማለት ጥዕና ኵሊት ምውሓስ ማለት እዩ። መጠን እትወስዶ ኣልኮላዊ መስተ ምጕዳልን ምትካኽ ሽጋራ ምቍራፅን ካብቲ ዝምከር እዩ።

ነዚ ነገራት እዚ ምግባር ንዅሊት ጥራሕ ዘይኮነስ ንሓፈሻዊ ጥዕና ኣካላትና እውን ጠቓሚ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

  1. ብኣቝፅልቲ ካብ ዝተቓመሙ ‘ኣፋውስ’ ምጥንቃቕ

ንጥዕናን ንዝተፈላለዩ ካልኦት ነገራትን ተባሂሉ ብክኢላታት ኢና ዝብሉ ይዅኑ መቕርብ ካብ ዝተፈላለየ ኣቝፅልቲ ዝተቓመሙ ነገራት ቅድሚ ምስታይና ክንሓስብ ኣገዳሲ እዩ።

ብፍላይ ድማ ዓቐኖምን ትሕዝቶኦምን ዘይተፈልጠ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ካልእ ክብደት ሰብነት ንምጕዳልን ንዝኣመሰለ ዕላማን ዝተዳለዉ ፍርያት ኣቝፅልቲ ምውሳድ ፀገም ኵላሊት ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ ምፍላጥ የድሊ።

ኣብዚ እዋን ብፍላይ ንጥዕና ጠቐምቲ እዮም ዝበሃሉ ኣትክልቲ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ይርአ እዩ፤ ንዅሉ ከምዘለዎ ክትኣምኖን ከተተግብሮ ምፍታንን ግን ኣፀጋሚ እዩ።

ስለዚ ነዞም ካብ ኣትክልትን ኣቝፅልትን ዝተወሃሃዱ ነገራት ቅድሚ ምውሳድ ብዝተኻእለ መጠን ንሓኪም ምውካስ ይምከር።

እዚ ብምግባርካ ኵሊትካን ምሉእ ጥዕናኻን ካብ ጉድኣት ከተድሕን ኢኻ።

  1. ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ መድሃኒት ምውጋድ

ብሓኪም ክሳብ ዘይተኣዘዘ ዝዀነ ዓይነት መድሃኒት ይጠቅም እዩ ኢልካ ወይ ንኻልኦት ክጠቅም ስለዝረኣኻ ክትወስዶ ግቡእ ኣይኰነን።

ፈውሲ ቃንዛ ኢልና ኣዘውቲርና እንወስዶም መድሃኒታት እውን ብሓቂ ክሃስዩና ይኽእሉ እዮም።

ገለ መድሃኒታት ፈውሲ ቃንዛን ካልኦት መድሃኒታትን ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላትና ክፀልዉ ይኽእሉ። ካብቶም ብኸምዚ ዝጥቅዑ ክፍሊ ኣካላትና ድማ ብቐዳምነት ኵላሊትና እየን።

ስለዚ ብሓኪም ዘይተኣዘዘ መድሃኒት ቅድሚ ምውሳድካ ሓኪም ምውካስ ክመፅእ ንዝኽእል ሳዕቤን የወግድ።

ብተወሳኺ ሰብ ሞያ ኣብ ዘይብሉ ተራ ድኳናት ዝሽየጡ መድሃኒታት ካብ ምግዛእን ምጥቃምን ምጥንቃቕ የድሊ።

  1. መርመራ ምግባር

ጥዕና ኵሊት ጥራይ ዘይኰነስ ጥዕና ካልኦት ክፋል ኣካላትና ንምርግጋፅ ብዝተኻእለ መጠን ቀፃሊን ስሩዕን መርመራ ምግባር የድሊ።

ኣብዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዘጋጥም ዘሎ ከቢድ ፀገም ጥዕና ሱር ቅድሚ ምስዳዱ ምክልኻል ስለዝከኣል ብኣጋ እንተተሓኪሙ’ውን ሰፊሕ ዕድል ምሕዋይ ይፈጥር እዩ።

ንዅሊት ከኣ ብፍላይ ብተደጋጋሚ ዘይኮነስ ብዝተኻእለ መጠን ኣብቲ ክኢላታት ዝመኸርዎ ግዜ መርመራ ኣልትራሳውንድ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

ዝዀነ ምልክታት’ውን እንተዘይተራእየ እንተወሓደ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ግዜ መርመራ ኣልትራሳውንድ ክግበር ይምከር።

እዚ ንጥዕና ኵሊትን ካልኦት ኣካላትን ንምፍላጥን ኣድላዪ ሕክምናን ጥንቃቐ ንምግባርን ይሕግዝ።

  1. ምቍፅፃር ፀቕጢ ደም

ልዑል ፀቕጢ ደም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ሓደ እዩ።

ፀቕጢ ደም ንባዕሉ ሓደ ፀገም ጥዕና ኰይኑ፥ እንተዘይተቘፃፂርናዮ ግን ካልኦት ፀገማት ጥዕና’ውን ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ስለዚ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ጸቕጢ ደሞም ከም ዝወሰኸ ምስ ዝግንዘቡ ሸለል ከይበሉ ብዕቱብ ክከታተልዎ ይግባእ።

ልዑል ፀቕጢ ደም ቀዳማይ ምልክት ናይቲ ምልክት ዘይብሉ ፀገም ኵሊት ምዃኑ እዮም ክኢላታት ዝገልፁ። ጸቕጢ ደም ብምቍፅፃር ጥዕና ኵሊት ምሕላው ይከኣል እዩ ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.