Fana: At a Speed of Life!

ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ ሜላታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓው ዝበለ ምሕርናኽ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ “obstructive sleep apnoea (OSA)” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ምዝባዕ ድቃስ ዝተሓሓዝ እንትኸውን ኣብዚ ግዜ ምስትንፋስ ጠጠው ከም ዝብልን እዚ ድማ ኣብ እዋን ድቃስ ከም ዘጋጥምን ሰብ ሞያ ይገልፁ።

እዚ ምዝባዕ፥ መንደቕ ጕሮሮና ክዛነን ክፀብብን ብምግባር ንቡር ምስትንፋስ ብምቁራፅ ዋሕዲ ኦክስጅን የስዕብ።

ስለዝኾነ ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ ሜላታት እዞም ዝስዕቡ ምዃኖም ሰብ ሞያ ይምዕዱ።

ክብደት ሰብነት ምጉዳል፣ ብጐድኒ ምድቃስ፣ ቅድሚ ምድቃስካ ኣልኮላዊ መስተ ምውጋድ ከምኡ’ውን ምዕሩይ ድቃስ ምልምማድ ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ መሜላታት ኢዮም ይብሉ።

ምሕርናኽ ደው እንተዘይኢሉ ግን፥ ምልክት ምቍራፅ ምስትንፋስ ክኸውን ስለ ዝኽእል ንበዓል ሞያ ጥዕና ምምኽኻር ኣገዳሲ እዩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.