Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2028 ፈላማይ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ጠፈር ክትሃንፅ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2028 ፈላማይ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ጠፈር ከምትሃንፅ ኣፍሊጣ።

እቲ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ኣብ ህዋ ንምህናፅ ዘኽል ብርኪ ምብፃሓ ኣካዳሚ ቴክኖሎጂ ህዋ ቻይና ኣፍሊጡ።

ኣብ ህዋ ዘሎ ብርሃን ፀሓይ ናብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕያርን ሳትላይታት ኣብቲ ምህዋር ብምሕምባንብን ሓይሊ ናብ ምድሪ ንምምሕልላፍ ከምዝተሓሰበ ኢዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

እቲ ብርሃን ፀሓይ ካብ ከባቢ ኣየር ብዝበለፀ ብሩህ ከም ምዃኑ መጠን መዓልቲ ሙሉእ ምባል ኣብ ዝከኣል ብርኪ ከምዘብርህ እውን ተገሊፁ።

ጉጅለ ተማራማሪ ዩኒቨርሲቲ ዢዲያን ኣብዚ ወርሒ ንመጀመሪ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ፀሓይ ህዋ “ፀሓይ ምህዳን” ብምባል ዝፍለጥ ፕሮጀክት ፈተነ ምግባሩ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.