Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ግልጋሎት ኢንተርኔት ኣብ ገፀር ከባቢታት ንምስህሕፋሕ ክትሰርሕ ኣለዋ – ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ግልጋሎት ኢንተርኔት ኣብ ገፀር ከባቢታት ንምስፋሕ ክትሰርሕ ኣለዋ ክብል ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ገሊፁ።

ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም÷ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽ ኢትዮጵያ ዘለዉዎ ማሕለኻታትን ዕድላትን ዝተመልከተ ዝርዝር ሓበሬታ ኣውፂኡ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ዝጀመረ ስትራቴጂ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ፥ ቴክኖሎጂን ብምጥቃም ምዕባለ ኢኮኖሚ፣ ተሳትፎ ዜጋታትን ዝኸሸ ፅሬት ህይወት ንምምፃእ ዝዓለመ ኢዩ።

መብዛሕትኡ መንእሰይ ዝኾነን እናዓበየ ዝመፅአ ቁፅሪ ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝፀርሐ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም፥ ኣብ ብመኣዲ ትምህርቲ እናሓለፈ ዝርከብ 26 ሚሊየን ዝኸውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ መንእሰይ ክፋል ነቲ ዓውዲ ፅቡቕ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅእ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ሓይሊ ዲጂታል ልምዓት ብምጥቃም ንመንእሰይ ቀፃሊ ስራሕ ኣድላዪ ዝኾነ ክእለት ብምፍላጥ ፈጠራ ኣብ ምድንፋዕን ንኩሉ ዝሓቁፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ንኽምራሕ ክትገብር ከምትኽእል እውን ኣብሪሁ።

ኣጠቓቕማ ኢንተርኔት ኢትዮጵያ ልዕሊ 36 ሚሊየን ዝበፅሐ ይኹን እምበር ግልጋሎት ኢንተርኔት ዝረክብ ህዝቢ ውስን ከምዝኾነ እቲ ፎረም ኣመልኪቱ፡፡

እዚ ኮይኑ ግን ከም ዲጂታል መለለዪ መንነት (መታወቂያ)ን ሞባይል ክፍሊትን ንዝደንፈዐ ዲጂታል ስነ-ምህዳር ጥንኩር መሰረት እናንበሩ ከምዝኾኑ ገሊፁ፡፡

“ልዕሊ 40 ሚሊየን ዝኾኑ ተጠቀምቲ ሞባይል ዘለዉዎ ልዑል ቁፅሪ ሞባይል ስልኪ ኢትዮጵያ ዲጂታል ናይ ምውሳኽ ዕድል ብዝበለፀ ዘርኢ ኢዩ” ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዘካተተ ለውጢ ንምምፃእ ማሕለኻታት ከምዘለዉ ዝገለፀ እቲ ፎረም፤ ኣብ ገፀር ከባቢታት ንዝፈርዩ ፍርያታት ውሽጢ ሃገርን ዘፈር ሕርሻ ንምድጋፍን ዝተሰናደኡ ውሑዳት ስርዓታት ኢ-ኮሜርስ ጥራሕ ከምዘለዉ ብኣብነት ኣልዒሉ።

ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ዲጂታል ዓለም ንምጥቃም ዘድሊ ዲጂታል ክእለት ይጎድሎ ኢዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ፥ እዚ ድማ ብዙሓት ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ረብሓ ንኽረኽቡ ከምዝገብር ገሊፁ።

ኣብ ከተማታት ዘሎ ዲጂታል ግልጋሎት ዝተመሓየሸ ይኹን እምበር መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝነብሩ ናይ ገፀር ከባቢታት ግልጋሎት ኢንተርኔት ውስን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

“እዚ ድማ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ዘሎ ተሳትፎ ፍትሓዊ ከይኸውን ዝገብር ኢዩ” ኢሉ፡፡

ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ገፀር ከባቢታት ግልጋሎት ኢንተርኔት ንምስፍሕፋሕ ክትሰርሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.