Fana: At a Speed of Life!

ደስታ ዝተብሃለት ሮቦት ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ንምርኢት ቀሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ምስ ኣይኮግ ላብስ፣ ኢትዮ ቴሌኮም፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ራይድን ብምትሕብባር ደስታ ዝተብሃለት ሮቦት ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ንምርኢት ኣቕሪቡ።

ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፃናዮ ደረጃ ንምርኣይን ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ዓይነት ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ ዝብል ንምርኣይ እታ ሮቦት ንምርኢት ከምዝቐረበት ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሰገናት እቲ ዓውዲ ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዝርከብ ንኽግንዘቡን ኣብ ቀፃሊ ድማ ንሳቶም ኣብቲ ዓውዲ ተሳታፊ ክኾኑ ንምግባር ተሓሲቡ ደስታ ሮቦት ከምዝቐረበት ተሓቢሩ።

ካብዚ ብትወሳኺ ደስታ ሮቦት ብሰብ ሞያ እቶም ትካላት ብዝተገበረላ ፕሮግራም መሰረት ብቛንቋ ኣምሓርኛ ብዛዕባ መፃኢ ዘበን ተስፋን ውፅኢትን ኣርቴፊሻል ንዕዱማት መደረ ገይራ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.