Fana: At a Speed of Life!

ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ከምዝተባባዕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ከምዝተባባዕ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሓሰን ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ሙሉእ ንሙሉእ ተገጣጢመን ናብ ውሽጢ ዓዲ ንዝኣትዋ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ዝኽፈል ታክሲ 15 ሚኢታዊን ብኽፋል ተገጣጢመን ንዝኣትዋ ድማ 5 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝገጣጠማ ተሽከርከርቲ ካብ ታክሲ ናፃ ከምዝተገበረ እውን ኣረዲኦም።

መንግስቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው ከምዘተባብዕ ኣብሪሆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 60 ቻርጅ መሽናት ምህላዎም ተዛሪቦም።

ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 1 ሺሕን 176 ከምኡውን ኣብ ክልል ከተማታት 1 ሺሕን 50 ጣቢያታት ቻርጅ ንምስራሕ ትልሚ ከምዘሎ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.