Fana: At a Speed of Life!

ሳይንስ ካፌ ንዝተሓሰበለን ዕላማ ንክውዕላ እቲ ሚኒስቴር ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ማእኸላት ሳይንስ ካፌ ንዝተሓሰበሎም ዕላማ ንክውዕሉ ኣድላይ ክትትል ንክግበር ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ኣተሓሳሲቡ።

ብውድብ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ዝተዳለወ ፓነል ዘተን ዓውደ ርእይ ሳይንስን ፤ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣብ ከተማ ባህርዳር  ተኸፊቱ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ ኣብ መኽፈቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ብፍልጠት ምህዞን ቴክኖሎጅን ዝተደገፉ ኣፍረይትን ሳይንሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዜጋታት ምፍጣር መሰረታዊ ጉዳይ ምዃኑ ኣልዒሎም።

ባህሊ ግንዛበ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ንክምዕብል እጃም ሳይንስ ካፌ ልዑል ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከባ ማእኸላት ሳይንስ ካፌ ንዝተሓሰበለን ዕላማ ንከውዕላ ኣተሓሳሲቦም።

ሳይንስ ካፌታት ሕብረተሰብ ኣብ ጉዳይ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጅን ምህዞን ዘለዎ ርድኢት ንምምዕባል ዝሰርሓሉ፣ ስልጠና ዝወሃበሉ፣ ንምህዞ ስራሕ ዝኸውን ሓሳባት ዝፍጠረሉ፣ ምንባብን ፈጠራዊ ሓሳባትን ዝምዕብልሉ፣ ማእኸላት ምዕባለ ፈጠራዊ ባህሊ ዝርከበሉ ምዃኑ ኣብሪሆም። ስለዝኾነ ድማ እቶም ማእኸላት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ምርምርን ቴክኖሎጅን ምስ ዝርከባ ትካላት ብቐረባ ክሰርሓ ንምግባር ከምዚኦም ዝበሉ መድረኻት ክጠናኸሩ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ዓውደ ርእይ ቴክኖሎጂ፡- ኣብ ፖሊሲታትን ስቴራቴጂታትን ከምኡ እውን ኣብ ኤግዚቪሽን፤ ስልጠና ስነ ምህዳርን ኢኖቬሽንን ዘተ ፓናል ክካየደሉ እዩ።

ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕ እቲ ዓውደ ርእይ፤- ካብ 2007 ክሳብ 2014 ዝተሰርሑ ምህዞታት ከምዝቐርቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.