Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ሩባ ስሉሕ ልዕሊ 70 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ (ማረት) ምስ ዓለም ለኸ ትካል ረዲኤት ሕቡራት መንግስትታት አመሪካን ህዝብን ብምዃን ዝሃንፆ ዘሎ ሩባ ስሉሕ ህንፀቱ ልዕሊ 70 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

እቲ ሩባ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ፍሉይ ቦታ ሩባ ስሉሕ ኣብ ትሕቲ መደብ ልምዓታዊ ሰፍቲኔት ዝስራሕ ዘሎ እንትኸውን፥ ህንፀቱ ኣብ ፅቡቕ ቅልጣፈ ከምዘሎ ማረት ገሊፃ።

ሩባ ስሉሕ፥ ነቲ ሩባ ዝቖርፅ 58 ሜትሮ ንውሓትን ከባቢ 6 ሜትሮ ብራኸን ኮንክሪት ዘለዎ ኢዩ።

ብተወሳኺ ንመስኖ ዘገልግል 4 ነጥቢ 7 ኪሎ ሜትር ካናል ኣለዎ።

እቲ ፕሮጀክት ምስተዛዘመ፥ ልዕሊ 80 ሄክታር ሕርሻ ብመስኖ ከልምዕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብ ጣብያ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ 270 መራሕቲ ስድራ ካብ ጣብያ ገማድ ድማ 5 መራሕቲ ሰድራ ብመስኖ ተጠቀምቲ ክገበር ኢዩ።

ልዕሊ 12 ሚሊዮን ብር በጀት ዝተትሓዘሉ እቲ ፕሮጀክት፥ ሒዚ ህንፀቱ ልዕሊ 70 ዝበፅሐ እንትኾን ኣብ ወርሒ ሰነ 2012 ከምዝዛዘም ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.