Fana: At a Speed of Life!

መሰረታዊ ሸቐጣት ብፍትሓዊ መንገዲ ናብ ሕብረተሰብ ክባፃሕ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ቑጠባ ምክልኻል ቫይረስኮሮና  ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሰረታዊ ሸቐጣት ብፍትሓዊ መንገዲ ናብ ሕብረተሰብ ክባፃሕ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ቑጠባ ምክልኻል ቫይረስኮሮና  ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣተሓባባሪ  እቲ ንኡስ ግብረ ሓይሊ ዶ/ር መብራህቱ መለስ ከምዝበልዎ፥ መፍረይቲን ወሃብቲ ግልጋልት ትካላትን ንሕብረተሰብ ብኣግባቡ ከቕርቡ ዝኽእሉሉ መገዲ እናመቻቸወ እዩ።

እቲ ፍሪያት ፅሬቱ በዝሓለወ መገዲ ንህዝቢ ንምቕራብ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ከም ኣብነት ድማ ፋብሪካ ጨርቃመርቂ ኣልመዳ ማስክ ከፍሪ፣ ፋብሪካ መድሓኒት ዓድግራት ኣቑሑት ሳኒተሪ ከፍሪ፣ መፍረይቲ ኣልኮል ድማ ብበዝሒ ኣልኮል ከፍርዩ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣፍልጦ ዘይተውሃቦም ትካላት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናውቲ ከየፍርዩ ‘ውን ቁፅፅር ይግበር ኣሎ ኢሎም ዶ/ር መብራህቱ።

ክሳብ ሐዚ ድማ 500 ዘይሕጋውያን ነጋዶ ከምዝተቐፅዑ ሓቢሮም።

ከም ኣገላልፃ ዶ/ር መብራህቱ፥ ቁጠባ ትግራይ ምስ ደገ ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ናይ ወፃኢ ሰደድ ጠጠው ናይ ምባል ተርእዮ ኣሎ።

ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ጥረ ኣቅሓ ውን ፀገማት የጋጥሙዎ ኣለው።

እዚ ንምፍታሕ ድማ ካብ ሓረስታይ ጀሚሩ ክሳብ ኢንዳስትሪታት ዝፈሪ ምህርቲ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢሎም።

ኣብ ቁፅፅር ስርዓትና ዘሎ ፀገም ንፍታሕ ምስ ግብረሓይሊ ምክልኻል ቫይረስኮሮና ትግራይ እናተሰርሐሉ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ሕብረተሰብ ነቲ ቫይረስ ምክልኻል እምበር ናብ ዘይተደለየ ምጭንናቅ ክኣቱ የብሉን ኢሎም ዶ/ር መብራህቱ ኣብ መግለፂኦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ብዮናታን ግዛቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.