Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ተቐራሪቡ ንምስራሕ ቆራፅ ኢዩ – ሰመሪታ ሰዋሰው

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ተቐራሪቡ ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ገሊፀን።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ዓለም ለኸ መሓዙት ምትሕብባር ልምዓት ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ዳግመ ህንፀትን ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝሳለጡ ተግባራት ኣድሂቦም ልዝብ ኣካይዶም፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ዳግመ ህንፀትን ካልኦት ጉዳያት ልምዓትን ተቐራሪብካ ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሓለፍቲን ተወከልቲን ዓለም ለኸ መሓዙት ትካላት ልምዓት÷ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ መሓዙት ኮይኖም ከምዝቕፅሉ ኣረጋጊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ውፅኢታዊ ንምግባር ትገብሮ ፃዕሪ ከምዝሕግዙ ምግላፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.