Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ኣብ ምምዕባል ዝርከባን በሪ ባሕሪ ዘይብለንን ሃገራት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ትሳተፈሉን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን በሪ ባሕሪ ዘይብለንን ሃገራትን መድረኽ ዘተ ኣብ ኒውዮርክ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ኒውዮርክ እናተኻየደ ምስ ዝርከብ መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ጋድና ጎድኒ ኢዩ እቲ መድረኽ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ እተን ሃገራት እናጋጠሙወን ዝርከቡ ማሕለኻታትን ብምትሕግጋዝ ምፍታሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያትን ትኹረት ገይሮም ተመያይጦም።

ምትሕብባር ንምብርትታዕን ሓበራዊ ዘላቒ ልምዓትን ንምዕዋት ፀገማት ንግዲን ትራንስፖርትን ንምንካይ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ተባሂሉ፡፡

ኣባል እቲ ጉጅለ ዝኾነት ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ መድረኽ ዘተ እናተሰሳተፈት ከምዝኾነት ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚነሲቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም ቅዋም ኢትዮጵያ ዘቕረቡ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ዓለም ለኸ ትካላት ኣይተ ኣየለ ሊሬ÷ “ናይ ባሕሪ በሪ ዘይብለን ሃገራት ብኮቪድ-19፣ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ብምግቢ፣ ኢነርጂን ፋይናንስን ቅልውላው እናተፈተና ይርከባ” ኢሎም።

እተን ሃገራት እናጋጠመን ዝርከብ ፀገም ንምፍታሕ ቅድሚ ሕዚ ዝተቐመጠ ኣተገባብራ ፕሮግራም ዶሃ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ክኣቱ ምግባር ከምዝግባእ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.