Fana: At a Speed of Life!

መፍረያይነት ስራሕቲ ማእለማ ብልዕሊ 300 ሚኢታዊ ዘዕበየ ቴክኖሎጂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ማእለማ ክቃለል ብምግባር መፍረያይነት ብልዕሊ 300 ሚኢታዊ ክዓቢ ዝገበረ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ኣውቶማቲክ ማሽን ማእለማ ብደቂ ሃገር ተሰሪሑ ኣብ ረብሓ ውዒሉ።

እቲ ቴክኖሎጂው ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ‹ሚርካ ኢንጂነሪንግ ናይ ውልቀ ኢንተርፕራይዝ› ዝፈረየ ከምዝኾነ ወናኒ እቲ ኢንተርፕራይዝ ኢንጂነር ቻላቸው ሰጠኝ ገሊፆም፡

እቶም ዝማዕበሉ ስራሕቲ ፈጠራ መጠቕለሊ ክሪን ኣውቶማቲክ መእለሚ ማሽናት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ባህላዊን ዘበናዊን ክዳውንቲ ከፍሪ ዝኽእል መእለሚ ኣወቶማቲክ ማሽን ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

እቶም ቴክኖሎጂታት መብዛሕተኦም ብውልቀ ፈጠራ ከምዝተሰርሑን ካብ 1997 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ምምሕያሽ ከምዝኾኑን እውን ገሊፆም።

“በመንፅር መፍረያይነት ድማ ክሳብ 600 ሚኢታዊ መፍረያይነት ዝውስኽ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ አውቶማቲክ መእለሚ ማሽን ካብ 300 ክሳብ 1 ሺሕ ሚኢታዊ ምረያይነት ከምዝውስኽ እቶም በዓል ሞያ ፈጠራ ተዛሪቦም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.