Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ሕርሻ ምስ ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያን ሓላፊት ስራሕ ፋኦን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ ምስ ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ጃንዲር ፌርራን ኣብ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ዳይሬክተር ስርዓተ ምግቢ ሊናት ኑፊልድን ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ምስቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝነበሮም ዘተ፥ መንግስቲ ብራዚል ኣብ ጉዳያት ኣሲዳማ ሓመድን ልሙዕ መሬትን ምስ  ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ በፂሖም።

ሚኒስትር ግርማ ኣመንቴ ብካሊእ መዳይ፤ ኣብ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ምስ ዳይሬክተር ስርዓተ ምግቢ ሊናት ኑፊልድ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ዘፈር ሕርሻ ንምሕጋዝ ክሳብ ሕዚ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ምንኣዶም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምግቢን ስርዓተ-ምግቢን ንምምሕያሽ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ንምዕዋት እቲ ትካል ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ሓቲቶም፡፡

ሊናት ኑፊልድ ብግደአን÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምግቢን ስርዓተ-ምግቢን ንምምሕያሽ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ንምዕዋትን ድሕንነት ምግቢን ስርዓተ-ምግቢን ንምርግጋፅን ፋኦ ሞያዊን ገንዘባዊን ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣቲየን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.