Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ ግእዝ ተጣይሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ ግእዝ ሎሚ መዓል ተጣይሻ።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምጥያሽ እታ ማይክሮ ፋይናንስ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ብመዓርግ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ንግድን ኢንዱስትሪን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ፥ ብኹሉ መዳይ ልምዕቲ ትግራይ ንምርኣይ ባህሊ ቁጠባ ምዕባይ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

“ናይ ምዕቋር ባህልና ንምዕባይ ግደ ማይኩሮ ፋይናንስ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ” ክብሉ ገሊፆም።

ምምስራት ማሕበር ኣክስዮን ምድረ ግእዝ፥ ኣብ ምዕባይ ባህሊ ቁጠባ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዋ ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም፥ መንግስቲ ትግራይ ነዚ መሰረት ዝገበሩ ፖሊስታት ተጠቒሙ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገበርረላ ኣፍሊጦም።

እታ ማሕበር ምጥያሻ ከም ዘሕጎሰም ድሕሪ ምግላፅ ድማ ፅሬት ኣወሃህባ ግልጋሎት እታ ማሕበር ኣብ ዓለም ተወዳዳሪ ዝኾነን ኩርዓት ትግራይ ክኾን ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ ግእዝ፥ “ዕብየትኩም ዕብየትና” ብዝብል ቴማ ዝተማልእ ናይ ፋይናንስ ግለጋሎት ንምሃብ ዘኽእላ ሽቶ ሒዛ ዝተበገሰትን ባህሊ ዕቋር ክዓቢ ብምግባር ካብ ዓበይቲ ከሳብ ኣናእሽቲ ትካላት ውልቀ ሰባትን ኢንቨስትመንትን ንክስፍሕፋሕ ጠመተ ዝሃበትን ማሕበር ምዃና ተገሊፁ።

እታ ማሕበር፥ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዜጋታት ንክስፍሕፋሕ ብምትብባዕ ንማእኸላይን ታሕታዋይን መነባብሮ ዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብ ፍሉይ ቆላሕታ ሂባ ከም ትሰርሕ ኣካቢ ቦርድ እታ ማሕበር ኣይተ ኣብርሃ ገብረዋህድ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት መፅናዕቲ ብምክያድ ብግዱሳት ሙሁራን ተጋሩን ሰብ ውልቀ ሃፍቲን ተጣይሻ ዘድልዩ ረቋሕታት ብምምላእ ብቤሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ፍቓድ ከም ዝተዋህባ ኣይተ ኣብርሃ ገሊፆም።

እታ ማሕበር ኣብ መቐለ፣ ኣዲስ ኣበባን ሽረን ጨንፈራት ከም ዝኸፈተት እውን ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.